ኣሉ ዘይትበሃል፣ ዓባይ ግብሪ ጐይታ ኣባይ ተገሊጻ፣ ብዓይነይ ርእየያ /2* ምሕረቱን ፍቅሩን'ዩ፣ ትንፋሰይ ህይወተይ፣ ሰረት ዋህዮታተይ ውዕሎ መስቀሉ፣ ምስጢር ውልድነተይ፣ መሰረት ድሕነተይ ኣኽናፉ ጽላለይ፣ ስሙ ጽኑዕ ግምበይ፡ ውሑስ መንበርየይ ናብዮት ጕስነቱ፣ ሓልዮት ኣቦነቱ፣ ነናይ ጽባሕ ተስፋይ በይኑ ልዕል ልዕል ይበለለይ፣ ስም የሱስ መድሕነይ ኣመስግኑለይ ክብሪ ሃቡለይ ነቲ ብሩኽ ስሙ ልዕል ልዕል፣ ልዕል ኣብሉለይ ኣመስግኑለይ ክብሪ ሃቡለይ በምልኾን ስግደትን: ሳዕስዒትን፣ ንዑ ማስዉለይ ብፍቕሪ ሓቝፉ፣ ኣቢዱ ደሪዙ፣ ጀለምታ ንብዓተይ ኣብ ለይትታት ህይወት፣ መዝሙር ዚሰደለይ: ዘይፍለ ኻባይ ኣብቲ ሃሩር ቐትሪ፣ ለውሃቱ ልኢዅ፣ ዜጽልላ ንነፍሰይ ሕመረት ልበይ ሓይሊ ህይወተይ፡ ንሱዩ መዝሙረይ የሱስ ይብል ኣሎ ሃመይ ቀልበይ ውኖይ ህርመት ልበይ ኣመስግኑለይ ክብሪ ሃቡለይ ነቲ ብሩኽ ስሙ ልዕል ልዕል ልዕል ኣብሉለይ ኣመስግኑለይ ክብሪ ሃቡለይ በምልኾን ስግደትን ሳዕስዒትን፣ ንዑ ማስዉለይ፡ ከምቲ ዚበሎ/3* ኣምላኸይ ዚበሎ፣ ንኹሉ ኣብ ግዜኡ፣ ኣጸቢቅዎ ክረምቲ የሕሊፉ፣ ግዜ መዝሙር ኣምጺኡ፣ ጸልማት ተገፊፉ፣ ኣንሆ ወጊሑ 2/* ሳላ ’ቲ ዓብዪ ሳህሉ ዅሉ ሓድሽ ኰይኑ፡ በይኑ ልዕል ልዕል ይበለለይ፣ ስም የሱስ መድሕነይ ነፍሰይ ንምስጋና፣ ነቂሓ ካብ ስቕታ የሱስ ትብል ኣላ፣ ትጭድር ብዓውታ ብምብልታ በገና፣ ብኽራር ከበሮ ብሓድሽ ምስጋና፣ ስሙ ትጽንብሎ ድርሳናት ምስጋናይ ከም ናርዶስ ሳፍራን ከምቲ ምዑዝ ሽቶ፣ ከም ሃና ዕጣን ከም ዓንዲ ትኪ፣ ከም ከርበን ዓልወን ኣብ መቕደሱ ይእቶ፣ ዜማን መዝሙረይን ኣሰይ ብምድሓኑ ተሓጉይሳ ነፍሰይ ኣሰይ ብእኡ'ዩ ለምሊሙ ህይወተይ ፍቕሩ ንኽገልጾ፣ ቃላት ነይርከቦ ብዘለኒ ቋንቋ ተመስገን ’የ ዝብሎ ፍረ ከናፍረይ ከቶ ዘየንክራ፡ ምድሓኑ ዘውርያ ጽድቁ ዘበስራ ካብ ምሕጻብ ዚወጻ መጓሰ ይመስላ ጣዕመን ለጎግ ይበል ከም መዓር ወለላ ኣብ መሳልል ዜማ ይወጣሕ ጐሮሮይ ቃለይ ወሲዳ ትዛረብ በገናይ ብዜማ ክገልጾ ’ቲ ዓብዪ ምድሓነይ የሱስ ይብል ኣሎ ኣንጕዕ ኣዓጻጽምተይ ትንፋስይ ይብልዎ ደመይ ህርመት ልበይ በይኑ ልዕል ይበል የሱስ ሰላም ነፍሰይ ፍቕሩ ንኽገልጾ፣ ቃላት ነይርከቦ ብዘለኒ ቋንቋ ተመስገን ’የዝብሎ ኣሰይ ብምድሓኑ ተሓጉይሳ ነፍሰይ ኣሰይ ብእኡዩ ለምሊሙ ህይወተይ የሱስዩ ጎይታ እዚ ብሩኽ ጎይታ.... እቲ ንነፍሰይ ካብ ጥፍኣት እተበጀዋ እሽሩሩ እንዳበለ የሐርንቂቅኒ: ተንከባኺብኒ.... ኣፈይ ብምስጋና መሊኡ ኣዘሚርኒ

EritreanEthiopianMezmurTigrigna MezmurGospel songCherch